ኣርማ ወይ መለለዪ ሌላ ሕብረተሰብ ኣብ ኦስተርጎትላንድ ኣራንሾኒ ዝምድሩ ብጻዕዳ ሕብሪ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ
|    |  ቋንቋ  |  ምምልካት ስልጠና ወይ ትምህርቲ  |  ባዕልኻ ተመሃር  |  ብዛዕባና  |  መራኸቢ ኣድራሻና  | 
 
Kommunerna inom samhällsorienteringen i Östergötland och Tranås


ቤት ንባብ ቦክስሆልም፣ ጎደና፣ ዝተዓሸገት ዝበለት ቀያሕ መኪና
Boxholm
ቦክስሆልም ምስ ሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት፣ ወደብ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ከምኡ ውን ኡኒቨርሲትይ ቅርበት ኣለዋ። ባህርያዊ ተፈጥሮ ቦክስሆልም ከም ቀላይ ሶመን ዝኣመሰሉ ንዛንታ ኢሉ ዝተዳለወ ውቃበ ዘለዎ ምልኩዕ ከባቢ ኢዩ። ሶመን ሓደ ካብቲ ናይ ሽወደን ዝዓበዩ ጽሩያት ቀላያትን ዳርጋ 300 ዝኾኑ ናእሽቱ ቀላያትን ዝርከቦ ውቁብ ከባቢ ኢዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ቦክስሆልም ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም። https://www.boxholm.se


ካናለ፣ ማይ፣ ቢንቶ፣ ልሙዕ ኣግራብ፣ ክፋል ናይ ፊንስፖንግ ስሎት ወይ ግምቢ
Finspång
ምምሕዳር ፊንስፖንግ ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ናይዚ ዞባ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘት ምምሕዳር ኮይና ሓንቲ ካብተን ሓያል ዕብየት እተርኢ ዘላ ኢያ። ፊንስፖንግ ናብቶም ኣገደስቲ ኣሰርትን ኣራኸብትን ቦታታት ከም መዓርፎ ነፈርቲ፣ ወደብ ከምኡ ውን ዩኒቨርሲቲ ቀሪባ እተደኮነት ከተማ ኢያ። ፊንስፖንግ 2,5 ማይል ካብ ኖርሾፒንግ ንምዕራብ ኮይና ኣብ ቀንዲ ጽርግያ ቁጽሪ 51 መስመር ኦረብሩ ትርከብ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ፊንስፖንግ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም። https://www.finspang.se


ማይ ጃሕጃሕ፣ ማይ፣ ስርሓት ኢደ ጥበብ፣ ሜዳ ዕዳጋ፣ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሺንዳ
Kinda
ኣብ ሽንዳ ብዙሓት ማሕበራትን ባህ ዘብል ባህልን ኣሎ ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኣብ ጥቓ ቐላይን ዱርን ኣብ ዚርከብ ባህ ዜብል ከባቢ ጽቡቕ መንበሪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሽንዳ ባህ ዜብል ተፈጥሮኣዊ ተመክሮ ዚህብ ልሙዕ ቦታ፣ ግራውቲ፣ ኣኽራናት፣ ቀላያትን ጫካታትን ኣለዋ። እቲ ሽንዳ ካናል ተባሂሉ ዝጽዋዕ መትረብ ሺንዳ ብማእከል መሬት ሽንዳ ሰንጢቑ ይውሕዝ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ሺንዳ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም። https://www.kinda.se


ዓቢ ሜዳ ኣብ ሊንሾፒን፣ ገለርያ፣ ብእግሮም ዝዛወሩ ህዝቢ፣ ኣብ ናይ ብሽግለታ ቦታ ብሽግለታ ዝዝውሩ፣ ዕምባባታት ኣብ ናይ መትሓዚ ወይ ባዞ ዕምባባ
Linköping
ሊንክ ሊንሾፒንግ ናብ ካልእ መርበብ ሓበሬታ,ሓድሽ መኮት ብምኽፋት ናብታ ብስፍሓታ ብሃገር ደረጃ ሓሙሻይ ደርጃ ዝሓዘት ምምሕዳር ኣብል። ኣብዚ ምምሕዳር እዚ ሓደ ዓብን ንምዕባለ ዝመርሕ ዩኒቨርሲቲን,ባህ ዘብል ናይ ዕዳጋ ዕድላት ምስ ስልጡን ተክኒካዊ ምዕባለ ዘለዎም ሰፋሕቲ ናይ ስራሕ ትካላት ኣሎ። ርኢኻ ዘይምኖ ውቁብ ካተድራል፣ ዩኒቨርሲቲ ሊንሾፒንግ ብዕብየቱ ብሃገር ደረጃ ሓሙሻይ ደረጃ ዝሓዘ ኮይኑ ንኽልተ ዝተፈላለዩ ሳይንሳዊ መጽናዕትታት ኣራኺቡ ሓድሽ መጽናዕቲ ወይ መደምደምታ ናይ ምርካብ ብቕዓት ይፍለጥ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ሊንሾፒንግ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.linkoping.se


ናይ ሚዮልቢ ናይ ቀደም ቤት ፍርዲ፣ ቤተ ክርስትያን፣ ሓወልቲ፣ ዝተዓሸጋ መካይን
Mjölby
ሚዮልቢ ሓንቲ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዋ ምምሕዳር ኮይና ንመጻኢ እተሓዝአ ውሕስነት ዘለዎ ታሪኻዊ ሰረት እትውንን ምምሕዳር ኢያ። ኣብ ሚዮልቢ ናብራ ሓውሲ ገጠርን ንኡስ ከተማን እትኸስበሉ ከባቢ ኮይኑ ግን ከኣ ብባቡር ንሊንሾፒንግ 20 ደቒቕ ንኖርሾፒንግ ከኣ 45 ደቒቕ ጥራሕ ይወስድ። ሚዮልቢ ተደኲናትሉ እትርከብ ከባቢ ብሰንክቲ ዘለዋ ብሉጽ ናይ መራኸቢ ወይ መለጋግቦ ጽርግያታት ካብ ካልእ ዓለም ውን ርሕቕቲ ኣይኮነትን። እዚ ምምሕዳር እዚ ሰለስተ ማእከላይ ዓዲ ዘለዎ ኮይኑ ንሳተን ድማ ሚዮልቢ,ኸኒንገ ከምኡ ውን ማንቶርፕ ይበሃላ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ሚዮልቢ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.mjolby.se


ማይ፣ መራኽብ፣ ዮታ ካናል፣ ስሉሳር
Motala
ምምሕዳር ሙታላ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኦስተርጎትላንድ ትርከብ። ኣብዚ ምምሕዳር እዚ ብዙሓት ቀላያት ዝርከቦ ኮይኑ ዮታ ካናል ካብቲ ንከተማ ሞታላ ተጸጊዑ ዝርከብ ቀላይ ቨተርን ይብገስ። ገማግም ናይዚ ማያት ጽቡቓት ቦታታት ንመንበሪ ኣባይቲ ዝዕድም ውቁብ ከባቢ ኢዩ። ብምትሕብባር ናይ ክልተ ምምሕዳራት ማለት ምምሕዳር ቫደስተናን ሞታላን ከም ንኽልቲኤን ዘገልግል ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፣ ከምኡ ውን ሓደ ትካል ናይ ማይን ኣተሓሕዛ ጉሓፍን ብምግባር ሓባራዊ ተሳትፎ ኣሎ። ምምሕዳር ሞታላ ክልተ ማእከል ኣለዋ ንሳተን ድማ ኣብ ሞታላን ቦረንስባሪን ኢየን።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ሞታላ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.motala.se


ጎደና ወይ ኣንፈት፣ ልሙዕ ኣግራብ፣ መካይን
Norrköping
ኖርሾፒንግ ሓንቲ ካብተን ዓሰርተ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ኢያ። ከተማ ኖርሾፒንግ ብሰንኪ ጽፉፍ ኣተሓሕዛ፣ ሓድሽ ዳግመ ህንጻ ከምኡ ውን ውቁባት ህንጻታት ፋብሪካታት ጨርቂ ነጸብራቕ ናይ ዝሓለፈ ግዜ ይህባ። ከተማ ኖርሾፒንግ ብብዙሓት ጅራፊዮሪታት እትልለ ኮይና እቶም ናይ ዕምባባ ቦታታት ብልዑል ጥንቃቐ ይትሓዙ። ኣብ ምጅማር 2000 ዓ,ም ከተማ ኖርሾፒንግ ከም ጎረቤታ ከተማ ሊንሾፒንግ ናይ ዩኒቨርሲቲ ከተማ ወይ መልክዕ ሒዛ። ኖርሾፒን ምስ ከተማ ሊንሾፒን ብሓባር ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ ዞባዊ ዕብየት ኣለወን።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ኖርሾፒንግ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.norrkoping.se


ካብ ላዕሊ ናብ ማእከል ከተማ ሶደርሾፒን፣ ቤተ ክርስትያን ቅ፣ ላውረንት፣ ትርኢት፣ ልሙዕ ከባቢ፣ ልሙዕ ኣግራብ
Söderköping
ከተማ ሶደርሾፒን ካብ ምጅማር ማእከላይ ዘበን ሰረት ዘለዋ ከተማ ኮይና ሎሚ ልዑል ሰላምን ውቃበን እትውንን ንእሽቶ ከተማ ኢያ። ከተማ ሶደርሾፒን ብሓፈሻ ንማእከላይ ዘበን ዘንጸባርቕ ቅርጸ ጎደናታት ከምኡ ውን ክፋል ናይዛ ከተማ ዝተኣከቡ ዕቁባት ጥንታውያን ቅርጽታት ዕንጸይቲ ኣለዋ። እኩባት ደሴታት ቅስቲ ሃና ኣብ ግዜ ክረምቲ ንኽትነብረሉ እትሓልሞ ቦታ ኮይኑ ዓመት ምሉእ ንምንባሩ ምቹእ ምስ ኣገልግሎት መዋእለ ህጻናት፣ ቤት ትምህርቲ ከምኡ ውን ኣረጋውያን ዝነብርሉ ኣገልግሎት ዝህብ ምምሕዳር ኢዩ። ምምሕዳር ሶደርሾፒንግ ካብ ገምገም ማይ ወይ ባሕሪ ክሳብ ውሽጢ መሬት ሽወደን ዝርግሐ ኣለዎ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ሶደርሾፒን ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.soderkoping.se


ማይ,ቀላይ ሶመን,ቤት ጽሕፈት በጻሕቲ ቦክስሆልም,ኣግዶ,ገዛ ብድሕሪት
Tranås
ከተማ ትራኖስ ኣብ ሓንቲ ጽዑቕ ከባብን ማእከላይ ቦታ ናይ ዞባ ዮንሾፒንግ ምምሕዳር ትራኖስ እትርከብ። እዛ ከተማ ኣብ የማናይ ሸነኽ ናይ ስሞላንድ ኮይና ምስ ቀላይ ሶመን ጽግዕ ኢላ እትርከብ ከተማ እያ። ከተማ ትራኖስ ብጥቕኣ ዝሓልፍ ደቡባዊ መስመር ባቡርን ጽርግያ ቁጽሪ 32 ኣሎ። ማእከላይ ጎደና ከተማ ትራኖስ ስቱርጋታን ወይ ብዓቢ ጎደና ዝፍለጥ ኮይኑ ብማእከላ ድማ ሰንጢቑ ይሓልፍ። እዚ ጎደናዚ ሓደ ካብቲ ናይ ሽወደን ዝሰፍሐ ጎደና ኮይኑ ኣብ መጀመርያ 1900 ዓ.ም ዝተተኽለ ሊንድ ዝበሃል ገረብ ዝወቀበ ኢዩ። እዚ ጎደናዚ 2 ኪሎመተር ዝንውሓቱ ኮይኑ 38 ሜትሮ ስፍሓት ድማ ኣለዎ። እዚ ሕጂ ሒዙዎ ዘሎ ህሉው ቅርጺ ናይዚ ዓቢ ጽርግያ ኣብ መፋርቕ 60ታት ዝረኸቦ ቅርጺ ኢዩ። እዚ ጎደናዚ ዓቢ ክኸውን ዝተመርጸሉ ምስ ዕብየት ናይዛ ከተማ ኣብ 1800 ዓም ዕብየት ስለዘርኣየት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ንምንካይ ዝተገብረ ኢዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ትራኖስ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.tranas.se


ቤት ንባብ ቫደስተና,ዝተዓሸጋ መካይን,ሓንቲ ገረብ
Vadstena
ምምሕዳር ቫደስተና ኣብ ገጽ ናይቲ ብስፍሓቱ ካብ ሽወደን 2ይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ ቀላይ ቨተርን ዝርከብ ሰሓቢ ከባቢ ናይ ዞባ ኦስተርጎትላንድ ተዶኲና ትርከብ። ኣብዚ ቦታ እዚ ፍልይ ዝበለ ታሪኻዊ ሃዋሁው ኣሎ፣ ብዓብዪኡ ኸኣ ካብ መበል 1800-1900 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ብጥንታውነት እተሰርሐ ህንጻታት ዝሓቘፈ ኢዩ እንተዀነ ግን ኣብ ማእከላይ ዘመን ሰረት ዘለዋ ኸተማ ስለ ዝዀነት ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዝተዓቀበ ህንጻታት እውን ኣሎ። ኣብ ማእከልዛ ከተማ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ኣሎ፣ እዚ ኣዳራሽ እዚ ኸኣ ካብ መበል 1400 ዘመን ኣትሒዙ ብጥንታውነቱ ካብ ሽወደን ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ኣሎ። ምምሕዳር ቫደስተና ጽቡቕ መንበሪ ኣባይትን ባህ ዘብል ባህልን ተፈጥሮኣዊ ተመክሮን ይህብ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ቫደስተና ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.vadstena.se


ካብ ብሪኽ ቦታ ልዕሊ ቫልደማርስቪክ,ህንጻ,ቤተክርስቲያን,ልሙዕ ኣግራብ
Valdemarsvik
ምምሕዳር ቫልደማርስቪክ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኦስተርጎትላንድ እዩ ዚርከብ ። ብጀካ ከተማ ቫልደማርስቪክ ከተማታት ሪንጋሩም፣ ጉሱም፣ግሪትን ኼፕስጎርደን ውን ክፋል ናይዚ ምምሕዳር እየን ብዙሓት ሰባት ነተን ግሪትን ሺዩስትን ዚብሃላ እኩባት ደሴታት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣዝየን ጽቡቓት ኢሎም እዮም ዚጽውዕየን ። ምምሕዳር ቫልደማርስቪክ ምስ ዳርጋ 700 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰርን ዝተላገበን እዩ። ምምሕዳር ቫልደማርስቪክ ንቘልዑን ንመንእሰያትን ጽቡቕ ኣተዓባብያ ዝዕድም ከባቢ ኮይኑ ግን ከኣ ጽቡቕ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዎ ጽቡቕ ኣገልግሎት ትምህርቲ ይህብ እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ቫልድማርስቪክ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.valdemarsvik.se


ማይ ጃሕጃሕ,ሓወልቲ እምኒ,ዝተዓሸጋ መካይን,ሮዛ ዝሕብሩ ህንጻታት,ኣግራብ
Ydre
ምምሕዳር ኢድረ በቲ ዘለዋ ባህ ዘብል ከባብን ተፈጥሮን እትኾርዕ ምምሕዳር ኢያ። ቀላይ ሶምመን ከም ሉል ወይ ዑንቊ ባሕሪ ዝተቐመጠ ኮይኑ ኢድረ ኣብ ዙርያኡን ኣብ ዙርያ ናይተን ኣብቲ ከባቢ ምምሕዳር ዚርከባ ካልኦት ቀላያት ትርከብ። ኣብዚ ቦታ እዚ ምግፋፍ ዓሳ ዝካየደሉ ማያት፣ መዓስከር በጻሕቲ፣ ስሕበት ዝፈጥር ባህሊ ዘለዎ ኸባቢ ከምኡውን ባህታ ዝሰፈኖ ናይ መዛወሪ ቦታታት ይርከብ። ኣብ ጽድያን ቀውዕን ኣብ ዱር ወይ ጫካታት ኢድረ ብዙሕ ዕሲታትን ወይ ቃንጥሻን ፍረታትን ኣሎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቂምካ ንገለ ኻብቲ ኣብ ጽውጽዋያትን ኣፈ-ታሪኽን ኢድረ ተገሊጹ ዘሎ ቦታታት ክትበጽሖ ትኽእል ኢኻ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ቫልድማርስቪክ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.ydre.se


ቤት ንባብ ኦትቪዳበሪ,ግዳማዊ ወይ ደጋዊ ኣገልግሎት,ዝተዓሸጋ መካይን,ኣግራብ
Åtvidaberg
ምምሕዳር ኦትቪዳበርግ ኣብ ማእከል ኦስተርጎትላንድ እዩ ዚርከብ ። ዶብ ምምሕዳር ኦትቪዳበሪ ኻብ ሊንኮፒን ብገምጋም 1.5 ማይል ርሒቑ ይርከብ። ኦትቪዳበርግ ኣብ መንጎ ገምገም ባሕርን ዓብይ ከተማን እትርከብ ጽቡቕ ተፈጥሮ ቀላያት፣ ምሕምባስ ከምኡውን ሃብታም እንስሳን ዘገዳምን ዘለዎ ዕዉት ቦታ ኣለዋ። ኦትቪዳበርግ ስሕበት ዘለዎ መሳርሒታት ዘፍሪ ኢንዱስትሪን መሳጢ ታሪኽ ኵዕሶ እግርን እትውንን ውሑስን ምቹን ሃዋሁው ዘለዎ መንበሪ ኣባይቲ፣ ቤት ትምህርቲ፣ ማእከል መዘናግዒ ቦታታት ከምኡውን ከባቢ እትውንን ምምሕዳር ኢያ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ቫልድማርስቪክ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኣለኩም https://www.atvidaberg.se


ሜዳ ወይ ዕዳጋ,ዕምባባታት,ግምቢ ቤተክርስቲያን,ኣግራብ,ዝተዓሸጋ መካይን,ማእከል ወይ ሕምብርቲ ኣባይቲ
Ödeshög
ምምሕዳር ኦደሾግ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኦስተርጎትላንድ ይርከብ ። ምምሕዳር ኦደሾግ ሕርሻዊ ኩባንያታትን እናዓበያ ዚኸዳ ትካላትን ኣለዋ። እዚ ከባቢ እዚ ማያዊ ትርኢት ወይ ምስልን ናጻ መቖሚ ወይ መዐሸጊ ማካይንን ዝርከቦ ኣብቲ ቀላይ ቨተርንን እምባ ኦምባርን ዚርከብ ቦታ ተደኲኑ ዝርከብ ምምሕዳር ኢዩ። ምምሕዳር ኦደሾግ ጥንታዊ ያታታት ኣለዎ ። ኣብዚ ኸባቢ እዚ ካብ ቅድሚ 5,000 ዓመት ጀሚሮም ሰባት ተቐሚጦም እዮም። ኣብ ከባቢ ኦደሾግ ከም ዑናታት ገዳም ኣልቫስትራን ብግዜ ቫይኪንግ ሮስተና ወይ ማሪና ሃስቶልመን ዝኣመሰለ ብዙሕ ክብጻሕን ክርኤን ዘለዎ ቦታታት ኣሎ።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምምሕዳር ኦደሾግ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ኪርከብ ይከኣል እዩ። https://www.odeshog.se